top of page
User Interface
Search

ዕብየት  ካበይ ይጅምር ኣበይ ከ ይውድእ?

  • DDT
  • Apr 12, 2020
  • 1 min read

Updated: Apr 12, 2020





ዕብየትካ ዝጅምር ካብ ነብስኻ ኢዩ:ምርጫኻ ንዕብየት እንተ ኾይኑ ነቶም ዘለው ጸጋታት ብታሕጓስ ተቐቢልካ በዚኣቶም እንታይ ክሰርሕ ይኽእል ብምባል ርእስኻ ትፍትሽ:: ቀዳማይ ሓሳብካ ምስ ኣተዓባብያኻ ዝመሳሰል ንምስራሕ'ዩ:በዚ ዝሰራሕካዮ ዕውት ምስ ትኽውንን እቲ ብዝተወሰነ ደረጃ ጽልዋ ክገብረልካ ዝኽእል ሕብረተሰብ ምትብባዕ ምስ ዝገብረልካን ተስፋ ዘለዎ ጅማረ ይኸውን:: ካልእ ዝበለጸ ንምስራሕ ድማ ማዕጾኻ ይረሖ:: ብዙሕ ምስ እትርኢ ድማ ብብዙሕ ወገናት ክትሓስብ ይሕግዘካ:: ኣተሓሳስባኻ ድማ ለውጢ ይጅምር እዚ ድማ መፈለምታ ዕብየት ይበሃል::

ውርይቲ ጋዜጠኛን ደራሲትስን ጋየል ሺሂ(Gail Sheehy) ብዛዕባ ዕብየት ክትዛረብ ከላ ከም'ዚ ትብል: “እንተዘይ ተለዊጥና ኣይንዓብን :እንተዘይ ዓቢና ድማ ብሓቂ ንነብር የለናን.” ስለ'ዚ ናይ ሂወትና ለውጢ ናይ ዕብየትና መርትዖ ኢዩ: ዕብየትና ከኣ ናይ ህላወና መርትዖ ይኸውን:: ወላ'ኳ ከባቢኻ ጽልዋ እንተ ሃለዎ እቲ መሰረታዊ ውሳኔ ዕብየት ግና ኣባኻ'ዩ ዝምርኮስ:ስለዚ ሓወይ/ፍተይ ምርጫኻ/ኺ ብዘይ ምኽንዩነት ንዕብየት ይኹን:: እዚ ግን ከም'ቲ እሾኽ ከይወግኣካ በለስ ዘይብላዕ ፍረ ዕብየት ድማ ቅጥራን ዝተለበጠ ጽርግያ ኣይኮንን: ግዳ እቲ ውጽኢቱ ከምቲ በለስ ምቁር'ዩ :: ደቂ ማማ ድማ እሾኽ ከይተወጋእካ ዝብላዕ ከይመስለኩም: ካልእ ሰብ ተወጊእልኩም ወይ ከኣ እቲ ገንዘብኩም ዋጋ'ቲ በለስን ምውጋእ እሾኹን ኢዩ:: እቶም ገለና ከኣ ብሉጻት ምጽሩያት ኣለና ኣይንሰርሕ ኣይነስርሕ ማለት'ዩ እቶም ብሓቂ ዕድመ ንቖጽር እምበር ዘይንነብር: ኣምላኽ ካብዚ የድሕነና:: ንሎሚ ኣብዚ ይእኸለና ኣብ ዝቕጽል ክሳብ ንራኸብ ብሰላም ጽንሑ

2 ይ ክፋል ይቕጽል .......


 
 
 

Recent Posts

See All
New attack on innocent ATM users.

ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ተጠቀምቲ ኤቲኤም። ማሕንቖ ጥረ ገንዘብ (cash trap) ኣብዚ ቅነ መታለልቲ ካብቲ ዝነበረ ናይ ብኢንተርነትን ብኢሜይልን ብቴለፎን ደዊልካን መልእኽቲ እና ሰደድካን ...

 
 
 

Comments

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating

© 2023 BY FREE LINE CREATIVE STUDIO. PROUDLY CREATED WITH WIX.COM

bottom of page