ነየናይ ቶኹላ ኢኻ/ኺ ትምግብ/ቢ ?
- DDT
- Jan 23, 2021
- 2 min read
Updated: Jan 24, 2021

ሞራላዊ ትምህርቲ ደቀባት ኣመሪካ(Native Indian, The Cherokee People)
እዚ ጽውጽዋይ ብዛዕባ ኣብ ዉሽጢ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ኲናት ካብ ዝርከቡ ክልተ ተጻረርቲ ቶዃሉ ኢዩ፡፡
ሓንቲ ኣደ ምስ ውላድ ዉላዳ ተዕልል ነበረት ኣብ መንጎ ዕላሎም ከኣ ብሓሳብ ተዓዝረት፥ እቲ ቆልዓ ኣድህቦ ስለ ዝሰኣነ ዓባየ "እንታይ ደኣ ኮንኪ በላ," እታ ወላዲት ነዓ'ሞ ዝወደይ ኣብዚ ኮፍ በል ብምባል ከምዚ ክትብል ጀመረት፥
ኣብ ውሽጠይ ዘለዉ ቶዃሉ እንዲዮም ክበኣሱ ጸኒሖም በለቶ፡ ፡ እቲ ቆልዓ ትቕብል ኣቢሉ "ቶዃሉ?" በለ። እወ ዝወደይ ኣብ ዉሽጢ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ክልተ ቶዃሉ ኣለዉ ዋላ ኣባኻ፡ ኩሉ ግዜ ከኣ ክበኣሱ ኢዮም ዝነብሩ።
እቲ ሓደ ቶኹላ ኣዝዩ ቀናእ፡መንፈሱ ክፍኣት ዝመልአ፡ ተጠራጣሪ፡ ርእሰ ምትሓት ልማዱ ርእሰ ተኣማንነት'ውን የብሉን።
ነዚ ቶኹላ'ዚ ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገር ሕማቕን ጌጋን ርግኣት ዘይብሉን ኮይኑ'ዩ ዝርደኦ። መብዛሕቲኡ ሰብ ርጉም፡ ሕማቕን ክፉእ ተጋብርን ኢዩ ኢሉ ይኣምን። ዓለም ድማ ከም ቆርፋዲ ቁሪ ናይ ስቅያት ቦታ ኮይና ትስመዖ። ስለ'ዚ ዝወደይ ነዚ ቶኹላ'ዚ ዋላ ሓንቲ ጽቡቕ ነገር ኣይኮነሉን፡ ምኽንያቱ ኣሉታውን ተስፋ ኣልቦን ስለ ዝኾነ፡ ንነገራት ክሪኦም ከሎ ብከም ፍርቃ ጥራሓ ዘላ ብኬር ወይ ብርጭቆ ኢዩ ዝሪኦ በለቶ።
እቲ ቆልዓ በዚ ዕላል ኣዝዩ ተመሲጡን ነቲ ካልኣይ ቶኹላ ከመይ ከም ዝኾነን ብሃንቀውታ እቲ ካልኣይ'ከ ዓባየ ከመይ ኢዩ በላ። ንሳ ከኣ "ሉባ(ንፉዕ) ዝወደይ" ትሰምዓኒ ጸኒሕካ ማለት'ዩ፡ እምበኣር እቲ ካልኣይ ምስ ነገርኩካ ከሐጉሰካ'ዩ ዝግባእ፡ ብዝኾነ ኣብ ውሽጥኻ ካልእ ኣዝዩ ሓያል ጅግና ቶኹላ ኮላይ ኣሎ። ንሱ ደንጋጺ፡ ፈቃር፡ ርህሩህ፡ ኩሉ ግዜ ቅኑዕ ነገር ክገብር ዝሓስብ፡ ኣዎንታውን ኣብ ልቡን መንፈሱን ንዘሎን ክገብሮ ንዝደልን ነገራት ክገብሮ ከም ዝኽእል ዝኣምንን ዝፈልጥን ናይ ብሉጻት ብሉጽ ቶኹላ ኢዩ። ከም'ዚ ዝገብሮ ድማ ንኹሉ ነገራት በቲ ብሩህ ወገኑ ስለ ዝሪኦ ኢዩ፡ ንኣብነት፡ ብኣንጻር ናይቲ ቀዳማይ ቶኹላ፡ ብዘይ ምቁራጽ ንነገራት ብከም ፍርቃ ዝመልአ ብኬሪ (ብርጭቆ) ጌሩ ይምልከቶ። ስለ'ዚ ከኣ እዚ ጅግና ቶኹላ'ዚ ኣብ ሂወቱ ናብ ብዙሓት ኣዝዮም ዝድነቑ ቦታታትን ደረጃታትን ይኸይድ በለቶ። እቲ ቆልዓ በዚ ኣይኣከሎን፡ በተሓሳስባ ቆልዓ ባእሲ ወይ ቃልሲ እንተሰሚዑ መን ኣውዲቁ ወይ ኣሕሚቑ ዘይትስገር ሕቶ ኢያ፡ ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ቆልዓ ታህዋኽ ብዝተሓወሶ ኣዘራርባ ዓባየ ዓባየ ኣብ'ቲ ኲናት ደኣ ኣየናይ ቶኹላ ኢዩ ዝዕወት በላ?
እቲ ዝዕወት ድኣ ሃብሮም ወደይ እቲ ትምግቦ በለቶ።
እሞ ነየናይ ናይ ዉሽጥና ቶኹላ ኢና እንምግብ መልሲ ናብ ነፍሲ-ወከፍኩም።
ተገዲስካ/ኪ ስለ ዘንበብካ/ኪ የመስገን። ነቲ ክንምግቦ ዘለና ቶኹላ ከነሰውዶ ከይተሓለልና ንጽዓር።
ምንጪ'ዚ ጽሑፍ፥ Millionaire Success Habits ካብ ዝብል ብ ዲን ግራዚዮሲ ዝተጻሕፈ ኢዩ።
Comments