ዕቤት ካበይ ይጅምር ኣበይከ ይውድእ 3ይ ክፋል
- DDT
- May 27, 2020
- 1 min read
Updated: May 13, 2022

እሞ ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ ብሕጽር ዝበለ መግለጺ ርእሰ ዕብየት ከም'ዚ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ክፋል ዝረኣናዮ ካብ ኮነ : ከመይ ጌርናን እንታይ ዓይነት ዕድላትን ጸጋታት ተጠቂምና ኢና ኣብ ሂወትናን ሞያናን ለውጥን ዕብየት ከነምጽእ ንኽእል?
ዕብየትን ለውጥን ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ዝገብሮ ተበግሶን ዉሳኔን ካብ ኮነ: ተበግሶና ንዕብየት ከም ዝኸውን ኣይጠራጠርን ምኽንያቱ ክሳብ'ዚ ነዚ ጽሑፍ ምንባብካ /ኪ ንዕብየት ዘለካ/ኪ ድልየት ስለ ዘረጋግጽ ኢዩ:: እሞ እንታይ ደኣሉ ከም'ቲ እንደልዮ ክንዓቢ ዘይንኽእል ዘለና? ንኹሉ ሰብ ሓደ ዓይነት መልሲ ክህልዎ'ኳ እንተዘይከኣለ ንብዙሓት ሓደ ዝገብር ብምኽንያት ዘይምዕባይና ኢዩ:: እዞም ምኽንያት እንብሎም ዘለና ካብ ቦታ ናብ ቦታን ካብ ሰብ ናብ ሰብን ይፈላለዩ ኢዮም:: ብሓቂ ግን ተበገስቲን ወሰንትን እንተ ኴና ክገትኣና ዝኽእል ነገር ኣሎ ድዩ? ምናልባት እንተ በርቲዕና ኸ ካልኦት ዝቐለሉ መንገድታት ፈትሽና ዲና? ኣቦታትና ከም ዝብልዎ “ድውይ ተጣባባይ ኢዩ ::'' እዚ ማለት ድማ ዝጨነቖ መንገዲ ከም ዘይስእን ኢዩ :: ካልኣይ ሕቶ እቲ ዝፈተንናዮ ብዝኾነ ምኽንያት ከኣ ዘይፈጸምናዮ ነገር : ካልኣይ ምቹእ ግዜ ኣጽኒዕናን ዝያዳ ሓይሊ ደሊብናን ክንዕወት ንፍትን ዲና?እዝን ከም'ዚ ዝኣመለ ካልእ መፍትሒ ጸገማት ዝኾኑ ሜላታት ክንጥቀም ባህርያዊ ግዴታና ምዃኑ ይጠፍኣና ኣይብልን::ስለዚ መፍትሒታት ምንዳይ ናትና ግደ ይኸውን :: ድልየት እንተሎ ድማ መንገዲ ኣሎ (if there is a will, there is a way ) ይብሉ እቶም ንመንገዲ ወይ መፍትሒ ዝረኽቡ::
እታ እንኮ ክንክተላ ዘይብልና ተስፋ ምቑራጽ ኢያ:: እዚኣ ክትፍወስ ኣሸጋሪት ስለ ዝኾነት ''ዉሕጅ ከይመጸ መንገዲ ዉሕጅ ጽረግ'' ስለኾነ ኣብ ሂወትና ከይትኣቱ ብኹሉ ዘለና ስጋውን መፈሳውን ኣጽዋር ክንከላኸላ ይግባእ::
ይቕጽል . . . . . .
Comentários