top of page
User Interface
Search

ዕቤት ካበይ ይጅምር ኣበይከ ይውድእ 3ይ ክፋል

  • DDT
  • May 27, 2020
  • 1 min read

Updated: May 13, 2022




እሞ ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ ብሕጽር ዝበለ መግለጺ ርእሰ ዕብየት ከም'ዚ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ክፋል ዝረኣናዮ ካብ ኮነ : ከመይ ጌርናን እንታይ ዓይነት ዕድላትን ጸጋታት ተጠቂምና ኢና ኣብ ሂወትናን ሞያናን ለውጥን ዕብየት ከነምጽእ ንኽእል?

ዕብየትን ለውጥን ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ዝገብሮ ተበግሶን ዉሳኔን ካብ ኮነ: ተበግሶና ንዕብየት ከም ዝኸውን ኣይጠራጠርን ምኽንያቱ ክሳብ'ዚ ነዚ ጽሑፍ ምንባብካ /ኪ ንዕብየት ዘለካ/ኪ ድልየት ስለ ዘረጋግጽ ኢዩ:: እሞ እንታይ ደኣሉ ከም'ቲ እንደልዮ ክንዓቢ ዘይንኽእል ዘለና? ንኹሉ ሰብ ሓደ ዓይነት መልሲ ክህልዎ'ኳ እንተዘይከኣለ ንብዙሓት ሓደ ዝገብር ብምኽንያት ዘይምዕባይና ኢዩ:: እዞም ምኽንያት እንብሎም ዘለና ካብ ቦታ ናብ ቦታን ካብ ሰብ ናብ ሰብን ይፈላለዩ ኢዮም:: ብሓቂ ግን ተበገስቲን ወሰንትን እንተ ኴና ክገትኣና ዝኽእል ነገር ኣሎ ድዩ? ምናልባት እንተ በርቲዕና ኸ ካልኦት ዝቐለሉ መንገድታት ፈትሽና ዲና? ኣቦታትና ከም ዝብልዎ “ድውይ ተጣባባይ ኢዩ ::'' እዚ ማለት ድማ ዝጨነቖ መንገዲ ከም ዘይስእን ኢዩ :: ካልኣይ ሕቶ እቲ ዝፈተንናዮ ብዝኾነ ምኽንያት ከኣ ዘይፈጸምናዮ ነገር : ካልኣይ ምቹእ ግዜ ኣጽኒዕናን ዝያዳ ሓይሊ ደሊብናን ክንዕወት ንፍትን ዲና?እዝን ከም'ዚ ዝኣመለ ካልእ መፍትሒ ጸገማት ዝኾኑ ሜላታት ክንጥቀም ባህርያዊ ግዴታና ምዃኑ ይጠፍኣና ኣይብልን::ስለዚ መፍትሒታት ምንዳይ ናትና ግደ ይኸውን :: ድልየት እንተሎ ድማ መንገዲ ኣሎ (if there is a will, there is a way ) ይብሉ እቶም ንመንገዲ ወይ መፍትሒ ዝረኽቡ::

እታ እንኮ ክንክተላ ዘይብልና ተስፋ ምቑራጽ ኢያ:: እዚኣ ክትፍወስ ኣሸጋሪት ስለ ዝኾነት ''ዉሕጅ ከይመጸ መንገዲ ዉሕጅ ጽረግ'' ስለኾነ ኣብ ሂወትና ከይትኣቱ ብኹሉ ዘለና ስጋውን መፈሳውን ኣጽዋር ክንከላኸላ ይግባእ::

ይቕጽል . . . . . .

 
 
 

Recent Posts

See All
New attack on innocent ATM users.

ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ተጠቀምቲ ኤቲኤም። ማሕንቖ ጥረ ገንዘብ (cash trap) ኣብዚ ቅነ መታለልቲ ካብቲ ዝነበረ ናይ ብኢንተርነትን ብኢሜይልን ብቴለፎን ደዊልካን መልእኽቲ እና ሰደድካን ...

 
 
 

Comments

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating

© 2023 BY FREE LINE CREATIVE STUDIO. PROUDLY CREATED WITH WIX.COM

bottom of page