top of page
User Interface
Search

ዕቤት ካበይ ይጅምር ኣበይከ ይውድእ 2ይ ክፋል

  • DDT
  • May 3, 2020
  • 1 min read

Updated: May 27, 2020


ኣብ'ዚ ግዜና ዉልቃውን ሞያውን ምዕባለ ወይ ዕብየት ባዕልና ኢና ከነናድዮ ዘለና፡ ምናልባት ክኢላታት ብምውካስ'ውን ከነሐይሎ ንክእል ኢና::

ዉልቃዊ ምዕባለ (personal development) ክበሃል ከሎ እቲ ዝዓበየን ኣዝዩ ኣገዳስን ኢዩ: ነቲ ናይ ሞያዊ ምዕባለ ድማ ዓንዲ ሕቖ ኮይኑ የገልግሎ:: ስለ'ዚ ሞያዊ ምዕባለ እንተደሊና መጀመርታ እታ ሓንቲ ጽፍፍቲ መንገዲ ገዛእ ርእስና ከነዕቢ ከለና ጥራሕ ይኽውን::እዚ ከኣ ንዝነበረና ፍርሕን ዘይምትእምማንን ክንቆጻጸር የኽእለና:: በዚ ዕቤት'ዚ ከኣ ዝያዳ ሓላፍነታውያንን ዝዓበየን ዝበዝሐ ዝሓየለን ብድሆታት ስዒርና ዝዓበየ ዓወታት ክንጎናጸፍ የኽእለና::

ሞያዊ ምዕባለ ድማ ክእለትካን ተሞክሮኻን ብምድላብ ኢዩ: ስለ'ዚ ምዕባለኻ ምስ ዘለኻዮ ጽፍሒ ወይ ክትበጽሖ እትደሊ ጽፍሒ ዝተኣሳሰር ኢዩ::

ሞያዊ ምዕባለ ስለምንታይ ኢዩ ኣገዳሲ?

ሞያዊ ምዕባለ ብዛዕባ'ቲ ከም ግረሶ ዝተልኽየ ዘንሸራትት ዓቐብ ወይ ፓሎ ምሕኳር ጥራሕ ኣይኮነን: እንታይ ደኣ ኣብ ሞያዊ ጉዕዞኻ ዘይምቁራጽን ተስፋ ዘይምቑራጽን ኢዩ:: ብተወሳኺ ድማ ክእለትካን ብቕዓትካን ካብ ዘለኻዮ ንላዕሊ ምዕባይን ምስ እተዘውትር ንመጻኢ ኣዚኻ ዝተዳለኻ ኮንካ ምርካብን ብሞያኻ ኩሉ ግዚ ተደላዪ ብምዃን ኮላይ ኢዩ::

ሞያዊ ምዕባለ ካብ ዝበሃሉ ዕድላት

1。 ዝዓበየ ባጀት ብዙሕ ሰብ ወይ ፕሮጀክት ምምሕዳር

2. ሞያዊ ልምምድ(training) ተጠለብቲ ብቕዓታት ምድላብ

3。 ኣብ ብዎለንታ ዝስራሕ ናይ ኮርፖተሽን ግብረ ሰናይ ስራሓት ምስታፍ

4。 ናይ ህዝባዊ ኣፈኛ መዳሪ ተዛራቢን ምምሕዳርን ክእለታት ምዕባለ ካልእን የጠቓልል ::

one step at a time but always forward / ሓደ ስጉምቲ ኣብ ሓደ ግዚ ግን ኩሉ ግዜ ንቕድሚት.

ይቕጽልልልልልል..............


 
 
 

1件のコメント

5つ星のうち0と評価されています。
まだ評価がありません

評価を追加
senaitabraha8
2021年6月12日

Nic job

いいね!

© 2023 BY FREE LINE CREATIVE STUDIO. PROUDLY CREATED WITH WIX.COM

bottom of page