ዕቤት ካበይ ይጅምር ኣበይከ ይውድእ 2ይ ክፋል
- DDT
- May 3, 2020
- 1 min read
Updated: May 27, 2020

ኣብ'ዚ ግዜና ዉልቃውን ሞያውን ምዕባለ ወይ ዕብየት ባዕልና ኢና ከነናድዮ ዘለና፡ ምናልባት ክኢላታት ብምውካስ'ውን ከነሐይሎ ንክእል ኢና::
ዉልቃዊ ምዕባለ (personal development) ክበሃል ከሎ እቲ ዝዓበየን ኣዝዩ ኣገዳስን ኢዩ: ነቲ ናይ ሞያዊ ምዕባለ ድማ ዓንዲ ሕቖ ኮይኑ የገልግሎ:: ስለ'ዚ ሞያዊ ምዕባለ እንተደሊና መጀመርታ እታ ሓንቲ ጽፍፍቲ መንገዲ ገዛእ ርእስና ከነዕቢ ከለና ጥራሕ ይኽውን::እዚ ከኣ ንዝነበረና ፍርሕን ዘይምትእምማንን ክንቆጻጸር የኽእለና:: በዚ ዕቤት'ዚ ከኣ ዝያዳ ሓላፍነታውያንን ዝዓበየን ዝበዝሐ ዝሓየለን ብድሆታት ስዒርና ዝዓበየ ዓወታት ክንጎናጸፍ የኽእለና::
ሞያዊ ምዕባለ ድማ ክእለትካን ተሞክሮኻን ብምድላብ ኢዩ: ስለ'ዚ ምዕባለኻ ምስ ዘለኻዮ ጽፍሒ ወይ ክትበጽሖ እትደሊ ጽፍሒ ዝተኣሳሰር ኢዩ::
ሞያዊ ምዕባለ ስለምንታይ ኢዩ ኣገዳሲ?
ሞያዊ ምዕባለ ብዛዕባ'ቲ ከም ግረሶ ዝተልኽየ ዘንሸራትት ዓቐብ ወይ ፓሎ ምሕኳር ጥራሕ ኣይኮነን: እንታይ ደኣ ኣብ ሞያዊ ጉዕዞኻ ዘይምቁራጽን ተስፋ ዘይምቑራጽን ኢዩ:: ብተወሳኺ ድማ ክእለትካን ብቕዓትካን ካብ ዘለኻዮ ንላዕሊ ምዕባይን ምስ እተዘውትር ንመጻኢ ኣዚኻ ዝተዳለኻ ኮንካ ምርካብን ብሞያኻ ኩሉ ግዚ ተደላዪ ብምዃን ኮላይ ኢዩ::
ሞያዊ ምዕባለ ካብ ዝበሃሉ ዕድላት
1。 ዝዓበየ ባጀት ብዙሕ ሰብ ወይ ፕሮጀክት ምምሕዳር
2. ሞያዊ ልምምድ(training) ተጠለብቲ ብቕዓታት ምድላብ
3。 ኣብ ብዎለንታ ዝስራሕ ናይ ኮርፖተሽን ግብረ ሰናይ ስራሓት ምስታፍ
4。 ናይ ህዝባዊ ኣፈኛ መዳሪ ተዛራቢን ምምሕዳርን ክእለታት ምዕባለ ካልእን የጠቓልል ::
one step at a time but always forward / ሓደ ስጉምቲ ኣብ ሓደ ግዚ ግን ኩሉ ግዜ ንቕድሚት.
ይቕጽልልልልልል..............
Nic job